ሕቶ(31): ብዛዕባ ዟሊምን ፋሲቅን ዚስርዑን ብሓደ ክጥርነፉ ዝኽእሉን ዘኪርኹምና፤ እዚ `ውን “ዟሊም” ዝበልናዮ ሕጊ አላህ (ሸሪዓ) ብሉፅ ከምዝኾነ እናፈለጠ ሕነ ኽፈዲ ስለዝደለየ ካብ አላህ ብዘይመፀ ሰብ ስራሕ ሕጊ ፍርዲ ይህብ፤ “ፋሲቅ” ዝበልናዮ ኸዓ ሕጊ አላህ ብሉፅን ዝለዓለን ከምዝኾነ ምስምእማኑ ንውልቃዊ ረብሓ ወይ ነፍስያ (ብግዕዝይና) አጋጊያቶ፣ ወይ ድልየት ኻሊእ ሰብ ንኸማልእ ኢሉ አላህ ካብ ዘውረዶ ወፃኢ ብዝኾነ ሕጊ ፍርዲ ይህብ፤ እንታይ እዩ ሞ አፈላላዮም?
መልሲ:
አብ ሞንጎ ዘሎ አፈላላይ እቲ “ዟሊም” ዝበልናዮ ድልየቱ ምስቲ በዓል ዋኒን ፅልኢ እዩ። ንዑኡ ይኹን ነቲ በዓል ዋኒን ረብሓ አለዎ ዶ የብሉን ጠመተ ከይገበረ ዋላ`ማ ረብሓ አይርከበሉ እቲ ዓብይ ድልየቱ ምስቲ በዓል ዋኒን ብዘለዎ ፅልኢ ምዕማፅ ጥራይ እዩ። እቲ ኻልአይ “ፋሲቅ” ኢልና ዝገለፅናዮ ድማ ጠመተ ዝገበረሉ ነቲ ሓደ ረብሓ አብ ምሀቡ እምበር ነቲ ኻልአይ ምዕማፁን ገለን ጠመተ ከይገበረ ፍርዲ ዝህብ እዩ። ብውሽጡ በቲአ ረብሓ ምርካቡን ዘይምርካቡን እምበር እቲ በዓል ዋኒን እገለ እዩ እገለ ንዝብል አይፈልይን እዩ። እቲ ድላዩ ነቲ ሓደ ረብሓ አርኪበሉ ዶ አየረከብኩሉን? ፤ ወይ ኸዓ ንዓርሰይ ጥቕሚ ረኺበሉ ዶ አይረኸብኩሉን? ዝብሉን ዝአምሰሉን ምስ ጥቕሚ ዝተአሳሰረ እዩ። እዚ እዩ አብ ሞንጎኦም ዘሎ ፍልልይ።