ሕቶ(90): ቅድሚ ካብ ካልአይ ኩነት ምውፃእና “ዝተቀደደ እንተሀልይዎ ይፃረይ” ኢልኩም: ከመይ እዩ ዝፃረይ?
መልሲ:
ዝተቀደደ እንተሀልይዎ ይፃረይ ዘበለና ቀሊል እንተኾይኑን ከቢድ እንተኾይኑን፣ እቲ ቦታ ኸ ከም መሳርዕ መሸኒን ፍታንን አብ ዝመሰሉ ከቢድ ወይለ አብ ጫፍ ሸለፍ ዝመሰሉ ቀሊል ቦታታት እዩ፣ አብ ሕቆ ልዕሊ መቀመጫ ወይለ አብ ከብዲ ትሕቲ ሕምብርቲ ልዕሊ ብልዕቲ ፤ በዚ በለ በቲ እቲ ዓብይ ቁምነገር ከከም ከኑታትን ቦታን እቲ ዝተቀደደ ከቢድነትን ቀሊልነትን አለዎ እዩ።
እዚአ ሕቶ ሓደ ዋኒን ክሕብር ከምዘለኒ ተመላኽት፤ እሱ ድማ ሓደ ሓደ ሰባት አብ እዋን ሓጋይ ክኾን ከሎ ሓፂር አብ ልዕሌኡ ድማ ነብሱ ዘይሽፍነሉ ረቂቅን ፎኲስን ኽዳን ተኸዲኑ ይሰግድ። ኸምዚ ዓይነቱ ሶላቱ ልክዕ አይኮነትን። ምኽንያቱ አብ ጉልበቱ ክበፅሕ ብዘይኽእል ብኻሊእ አበሃህላ ካብ ሕምብርቱ ክሳብ ጉልበት አእጋሩ ዘይበፅሕ ኽዳን ተኸዲኑ ልዕሌኡ ድማ ነብስኻ ዘይሽፍን ፈኲስ ኽዳን ተኸዲኑ እንተሰጊዱ አብ እዋን ሶላት ንኽሽፍን ግድን ኾይንዎ ዝነበረ ነብሱ ሸፊኑ ክበሀል አይኽእልን። “ነብስኻ ዘይሽፍን” ክንብል ከለና ድሕሬኡ ንዘሎ ቀለም ናይ አካሉ ፀሊም ዶ ቀይሕ ምዃኑ ዘርእይ ዝኾነ ንምባል እምበር ቅርጺ ነብሱ ዘርእይ ንምባል አይኮነን። ምኽነያቱ ጉድአት ዘለዎ ስለዘይኮነ። ይኹን ደአ `ምበር ረጒድ ብዝኾነ ዝሓሸ ከምዝኸውን ፍሉጥ እዩ።
ንአብነት ሓደ ሓደ ስረታት አለው ተኸዲንካየን ብትሕቲአን ስረ አንተሀሊው መወዳእታ ናይ ውሽጢ ስረ ብምልክት ዘርእያኻ። ቀለም ናይ ነብስኻ ግን ክሳብ ዘየርአያ ግን ፀገም የብሉን። ግን ዓንተዎ ከም ዝበልናዮ ረጒድ ብዝኾነ ዝሓሸ ይኸውን።
ካብ ቅድመ ኩነታት ሶላት እቲ ኻሊእ ጡሀራ (ፅርየት) እዩ። ካብ ረኽሲ ምፅራይን ካብ ረሓስ ምፅራይን ብምባል ናብ ክልተ ይምቀሉ።
እቲ ናይ መጀመርታ ካብ ረኽሲ ምፅራይ እዩ:
ረኽሲ ድማ ዓብይ ረኽሲን ንኡስ ረኽሲን ብምባል ናብ ክክተ ይምቀል። ዓብይ ረኽሲ ማለት ነብስኻ ንክትሕፀብ ግድን ዝገብረልካ እንትኾን፤ እቲ ንኡስ ረኽሲ ድማ ውዱእ ንክትገብር ግድን ዝገብረልካ እዩ። ብዛዕባ ውዱእን ነብስኻ ምሕፃብን ግዴታ ዝገብሩዎ ነገራትን አሕሊፍና ኢና። ኻልአይ አየድልየናን።
አብዚ ዘልዐልናዮ ካብ ረኽሲ ምፅራይ ቅድመኩነት ሶላት ምዃኑ ንምሕባር ጥራይ እዩ። ክንገብሮ ካብ ዝገበአና ግቡአት እምበር ካብ ንገድፎም ዝገበአና ዘይምዃኑ እዩ። አብ ዑለማታት ዝተፈለጠ “ግቡእ ንዘይምፍፃም ርሰዐን ዘይምፍላጥን እኹል ምኽንያታት ክኾኑ አይኽእሉን” ዝብል መሪሕ ቃል ከምዘለዎም፤ ንአብነት ሓደ ሰብ ዘይፈለጥኩ ኢሉ ብዘይውዱእ ሶላት እንተሰጊዱ ውዱእ ገይሩ ሶላቱ ንኽደግም ግቡኡ ይኸውን። ምኽንያቱ ክሰርሕ ዝግበኦ ኮይኑ ዘጓደሎ ቅድመ ኩነት ስለዘሎ። ረሲዑ ብዘይውዱእ ዝሰርሖ ግን ገበን አይኮነሉን። አላህ ብቁርአኑ “ረበና ብርሰዐን ጌጋን ንዝገበርናዮ አይትሓዘልና” (በቀራ 286) ስለዝበለ። እታ ሶላት ግን ልክዕን ተሓታትነት ዝተትርፈሉን ስለዘይኮነት ንኽደግማ ግቡኡ እዩ።
በዚ መዳይ በይኑ፣ ኢማም ኮይኑ ወይ መእሙም ኮይኑ ዝሰግድ ምዃኑ ዘፈላልዮ ነገር የለን። ኩሉ ብዘይ ውዱእ ወይኸዓ ከይተሓፀበ ረሲዑ ይኹን ገለ ዝሰገደ ምስዘከረ ነታ ሶላት ኽደግማ ግድን እዩ። ወላ ኢማም እንተኾነ `ውን፤ ኢማም እንተነይሩ ግን አብ እዋን ሶላት እንተዘኪሩ ድሕሬኡ ካብ ዘለው ሰብ ሓደ መተካእታ ብምግባር ሶላቶም ንኸወድኦም ብምእዛዝ ነቲ ሶላት አቋሪፁ ይወፅእ። እቲ ኢማም ሰብ እንተዘይተከአሎም`ውን ብዘይገለ ከምብሓድሽ ከይጀመሩ ኩሎም በብባዕሎም ኽውድኡ ይኽእሉ። ወላ ዝፈለጡዎ ድሕሪ ምውዳኦም እንተኾነ `ውን ኻልአይ ምስጋድ አየድልዮምን። ምኽንያቱ ብዛዕባ ኩነታት ናይቲ ኢማም ብዘይምፍላጦም ስለዝኾነ ዑዝር (እኹል ምኽንያት) አለዎም። ከምኡ`ውን ሓደ ሰብ ዘይፈለጠ ብዘይ ውዱእ እንተሰጊዱ ንአብነት ስጋ ግመል ዘለዎ ዝጠዓም ነገር ቀሪቡሉ በሊዑ ምስ ሰገደ ስጋ ግመል ከምዝኾነ እንተፈሊጡ ብዘይ ውዱእ ብምስጋዱ ኃጢአት አይኹኖ እምበር ሶላቱ ግን ኻልአይ ክሰግዳ ግድን እዩ። ረቢ ድማ ““ረበና ብርሰዐን ጌጋን ንዝገበርናዮ አይትሓዘልና” (በቀራ 286) ስለዝበለ።